Back to top

SPEZIELL Tigrinya

ፍሉይ ጓሓፍ

ገለ ዓይነት ጓሓፋት ምስ ንቡር ጓሓፍ ክድርበዩ ዘይብሎም እዮም። ነዞም ጓሓፋት እዚኣቶም ከመይ ጌርኩም ከምእትውግንዎም ንኽትፈልጡ፡ ነዞም ዝስዕቡ ትካላት ወይ ውልቀ-ሰባት ተወከሱ፦

- ኣብ ከባቢኹም ዝርከቡ ትካላት-መዚ

- ጓሓፍ ዝውግን ኩባንያ (ኣብ ሃገረ-ጀርመን ኣብ ጉዳይ ምውጋን ጓሓፍ ዝነጥፉ ሰባት)

- ናይ እትነብሩሉ ገዛ ኣካራዪ ናይ ህንጻ ተኻታታሊ

- ብዛዕባ’ዚ ጉዳይ እዚ ዝፈልጡ ጐረባብቲ ወይ ፈተውቲ

 

ግዙፍ ቦታ ዝሕዝ ጓሓፍ፦

ግዙፍ ቦታ ዝሕዙ ጓሓፋት ተጸጊኖም ዳግማይ ኣብ ጠቕሚ ይውዕሉ ወይ ድማ ተቓጺሎም ጸዓት ንምምንጫው ይሕግዙ።

ግዙፍ ቦታ ዝሕዙ ጓሓፋት ክንብል እንከለና፡ ብምኽንያት ግዝፎም ኣብ በራሚል ይኹኑ ካልኦት መትሓዚታት ጓሓፍ ክኣትዉ ዘይክእሉ ነገራት ማለትና እዩ (ንኣብነት ዓራውቲ፡ ተመዘዝትን ዘይተመዘዝትን ከብሕታት፡ ብሽክለታታት)።

ኣገዳሲ ሓበሬታ፦ ግዙፍ ቦታ ንዝሕዙ ጓሓፋት ናብ ዝደለኻዮ ቦታ ወሲድካ ምድርባዮም ወይ ምቅጻሎም ፈጺሙ ፍቑድ ኣይኰነን። እዚ ርእሱ-ዝኸኣለ ገበን እዩ።

 

ኤሌክትሪካውያን ነገራት ዝሓዘ ጓሓፍ፦

ብኤሌክትሪካዊ ኣገባብ ዝሰርሑ ኣቝሑ ክቡራት፣ ግን ከኣ ጕድኣት ከስዕቡ ዝኽእሉ እዮም። ዝኣረጉ ወይ ዝተሰብሩ ናይ ኤሌክትሪክ ኣቝሑ ተዓርዮም፡ እቶም ክቡራት ትሕዝቶታቶም ዳግማይ ኣብ ጠቕሚ ንኽውዕሉ ተባሂሉ ከም ናይ ሓራጅ ኣቝሑ ከም እንደገና ይሽየጡ።

ኤሌክትሪካውያን ነገራት ዝሓዘ ጓሓፍ ክበሃል እንከሎ፡ ገመድ ኤሌክትሪክ ወይ ናይ ባትሪ ትሕዝቶ ዘለዎም ኣቝሑ ማለት እዩ (ንኣብነት መጽሞቒት ፍሩታ፡ ቴሌቪዥን፡ ተንቀሳቓሲት ተሌፎን፡ መሕጸቢት ክዳን፡ መንቀጺት ጸጕሪ)።

 

ዛረጉ ኣጭርቕቲ፦

ልባስ ክዳን ሰባት እንደገና ከምዝኽደንውዎ ወይ ዳግማይ ተመስሪሑ ኣብ መፍረ ኮቦርታን ክዳውንትን ከምዝውዕል ክግበር ይከኣል። እዚ ንክኸውን ግን ክዳውንቲ ጽሩይን ብግቡእ ዝተዓሸገን (ኣብ ሳንጣ) ክኸውን ይግባእ።

ዝኣረጉ ኣጭርቕቲ ክንብል እንከለና ልባሳት ክዳውንቲ፡ ኣሳእን፡ ኮቦርታታት፡ ከምኡ’ውን ኣንሶላን ኮፕርሌቶን። እዞም ነገራት እዚኣቶም ንዕኦም ተባሂሉ ኣብ ዝተፈልየ በርሚል እዮም ዝእከቡ።

 

ተጓዳእቲ ነገራት፦

መርዛማትን ተጓዳእትን ነገራት ዝሓዘ ጓሓፍ፡ ድሕነት ናይ ሰባት – ብፍላይ እኳ ደኣ ህጻናት – ከምኡ’ውን ናይ እንስሳታትን ኣትክልትን ድሕነት ንምሕላው ተባሂሉ፡ ካብ ካልኦት ዓይነት ጓሓፍ ተፈልዮም ከምዝእከቡ እዩ ዝግበር።

መርዛማትን ተጓዳእትን ባእታታት፡ ንኣብነት፡ ኣብ ባትሪታት፡ ጸዓት ኣብ ዝዕቕቡ መብራህትታትን ኣብ ከሚካላትን (ንኣብነት ኮላ/መጣበቒ፡ ቦያ፡ መቃጠኒታት) ክርከቡ ይኽእሉ።

ተጓዳኢ ትሕዝቶ ዘለዎም ነገራት ኣብ ልዕሊኦም ድዩስ ኣብ መትሓዚኦም ንዝጸሓፍ መጠንቀቕታ ወይ ምልክት ብምርኣይ ከነለልዮም ንኽእል።